ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክልተ ኬንያውያን ጨውዮም ክብል መንግስቲ ኬንያ ወቒሱ

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክልተ ኬንያውያን ጨውዮም ክብል መንግስቲ ኬንያ ወቒሱ

Radio Erena: 05 January 2016

Ken Eth

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ኬንያን ዘዳውብ ከባቢ ሞያለ፣ ክልተ ኬንያውያን ከምዝጨወዩ ኮሚሽነር ዞባ ማርሳቢት ሞፋት ካንጋ ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ኬንያ ንኮሚሽነር እቲ ዞባ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ጸብጻብ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ ብምስጋር፣ ኣብ ሞያለ፣ ቦሪ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ድሕሪ ምእታዎ ንክልተ ኬንያውያን ጨውዮም ከምዝወሰድዎም የመልክታ።

ኣብቲ ብቀዳም 2 ጥሪ 2016 ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ዶብ ኬንያ ናይ ዝጠሓሱ ብዝሒ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክንጸር ኣይከኣለን።

 

መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ይዘራረብ ከምዘሎ ዘመልከታ ማዕከናት ዜና ኬንያ፣ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ ዝጠሓሰትሉ ምኽንያት ተቓወምቲ ኦሮሞ ንምህዳን ብዝብል ምኽንያት ክኸውን ከምዝክእል ይእምታ።

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብቲ ዘዳውበን ከባቢታት ንዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ ግጭታት ንምውጋድ፣ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2015፣ ኣብ ዞባ ማርሳቢት ብምርኻብ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ እቲ ስምምዕ ወርሒ ከይመልአ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ዶብ ኬንያ ብምጥሓስ ክልተ ኬንያውያን ምጭዋዮም፣ እቲ ስምምዕ ከይጠሓስ ስግኣት ኣሎ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0