ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገዛ ገዛ ብምፍታሽ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣሲሮም

Radio Erena: 29 March 2021

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገዛ ገዛ እናፈተሹ፣ ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ኤርትራውያን ናይ ምእሳር ዘመተ፣ ብዝያዳ፣ ኣብ የካ በዱ፣ ለጋ ጣፎ፣ ሃያ ሁለት፣ ሃያ ኣራት፣ ኣረብሳን ጀሞ ኣንድን ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዘተኮረ’ዩ።

ዕላማ እቲ ዝተኻየደ ግፋን ምእሳር ኤርትራውያን፣ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ተቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ ንምህዳን ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሑ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብምጥያስ ይኹን ምጥርናፍ ስድራቤታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከይወጹ ቪዛ ከልኪሉ ከምዘሎ’ውን ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ ግፋን ማእሰርትን፣ ካብ መዓስከራት ትግራይ ተበታቲኖም ንዝመጹ ኤርትራውያን ንምህዳን ዝዓለመ ዝገልጹ ወገናት’ውን ከምዘለው እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0