ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ማሕበረ-ኮም ኤርትራ10ታት ሰባት ቀይዶም

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ማሕበረ-ኮም ኤርትራ10ታት ሰባት ቀይዶም

Radio Erena: 29 May 2018

sudan

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ከተማ ካርቱም፣ ኣዴም ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ማሕበረ-ኮም ኤርትራ ሃንደበታዊ ግፋ ብምክያድ 10ታት ሰባት ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ማሕበረ ኮም፣ ጽዑቕ ተፍትሽ ድሕሪ ምክያድ፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝርከቦ ገንዘብን ካልእ ደኩመንታትን’ውን ሃጊሮም።

እቲ ብ23 ግንቦት ዝተኻየደ ግፋ ዕላምኡ ንጹር ከምዘይነበረ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ማሕበረ ኮም ምስ ስለያ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ስለዝተጠርጠረ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቶም።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ንምህዳን ተደጋጋሚ እዋን ግፋ ከምዘካይዱ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ድሮ በዓል ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ግፋ ኣባላት ማሕበረ ኮም ግና ካብዚ ዝተፈልየ ምንባሩ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ጠቒሶም።

ኤርትራን ሱዳንን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዑል ጸጥታዊ ወጥሪ ከምዝርከባ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0