ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣  ምስ ኤርትራ ኣብ እተዳውብ ቁሸት ወደልሒሉ 20 ሰባት ቀይዶም

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ኣብ እተዳውብ ቁሸት ወደልሒሉ 20 ሰባት ቀይዶም

Radio Erena: May 27, 2014

Kassala

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ምስ መንግስቲ ምትሕብባር ኣቢኹም ንዝበልዎም 20 ነበርቲ ወደልሒሉ ዝተባህለ ከባቢ ዞባ ከሰላ፣ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ተሓቢሩ።

ነበርቲ’ታ ኣብ ከባቢ ወደልሒሉ ዞባ ከሰላ ‘ጋርማ ጋርማ’ ዝተባህለ ቁሸት መንግስቲ ንዝሓንጸጾ መስርሕ ምዝገባን ምጽራይን ስለዝተቓወሙ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ’ዮም ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ዝጠቕሱ።

እንተኾነ እቶም ካብ ዓሌት ቤን ዓምር ዝኾኑ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ እትርከብ ከባቢ ወደልሒሉ ዝነብሩ ሱዳናውያን፣ ነቲ ብኣባላት ጸጥታ ዝቐረበሎም ክሲ ነጺጎሞ ኣለዉ።

 

ሓይልታት ጸጥታ ሱድና፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢ ወደልሒሉ ምጽራይን ምዝገባን ዝጀመርሉ ምኽንያት’ውን ኣይተነጸረን።

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ሓሙሽተ ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 20 ነበርቲ እታ ቁሸት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ብዙሕ ግፍዕታት ከምዘውረድሎም’ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ወደልሒሉ ሸኽ ዑመር ሳልሕ ወቒሱ።

ኮሚሽነር ወደልሒሉ ዑስማን ኻልድ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቶም እሱራት ዝወረደ ግፍዕታት ከምዘየለ ይገልጽ።

ዞባ ከሰላ ብፍላይ ድማ እቲ ኤርትራውያን ብብዝሒ ናብ ሱዳን ዝሰግርሉ ከባቢ ወደልሒሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሒ ምንቕስቓስ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳንን ኤርትራን ይርኣየሉ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክጥቐሰ ጸኒሑ’ዩ።
=========================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0