ሓይልታት ትግራይ፣ ንከተማ መቐለ ተቖጻጺሮም

Radio Erena: 28 June 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ ንከተማ መቐለ ከምዝተቖጻጸሩ ዝተላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

እቶም ሓይልታት፣ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ሓያል ኵናት፣ ንሓያሎ ክፋለተ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድምሳስ፣ ናብ ወሳኒ ወትሃደራዊ መድረኽ ከምዝተሰጋገሩ ክሕብሩ’ዮም ጸኒሖም።

ከቢድ ሰብኣዊን ንዋታን ክሳራታት ዝወረዶ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዝተፈላለይ መኣዝናት ተበታቲኑ፣ ካብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ድማ ካብ መቐለ ክስሕብ ከምዝተገደደ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ በይናዊ ምቁራጽ ተኸሲ ከምዝኣወጀ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።

በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፣ ሓረስቶት ትግራይ ኣብ ናይ ክረምቲ ወቕቲ መታን ኣብ ሕርሽኦም ክጽመዱ፣ ምቁራጽ ተዅሲ ክትግበር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምሓተተን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ጻውዒት ከምዝተቐበሎን ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና ብዝህብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት ድማ፣ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ምስ ምስሓብ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ መቐለ ሃዲሙ ይርከብ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ምስ ምትሓዝ ከተማ መቐለ ተኣሳሲሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ትግርኛ ንዝዛረቡ ተወላዶ ትግራይን ዒላማ ዝገበረ ግፋን ማእሰርቲ ይርአ ምህላዉ’ውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0