ሓይልታት ትግራይ፣ ንረዲኤት ዝተኸዘነ ኣእካል ዘሚቶም ክብል ትካል ግብረ ሰናይ ኣመሪካ ወቒሱ

Radio Erena: 02 September 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ዝኣተውዎ ዓድታት፣ ንረዲኤት ዝተኸዘነ ኣእካል ይዘምቱ ኣለዉ ክብል ወኪል ትካል ግብረሰናይ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ወቒሱ።

እቶም ሓይልታት፣ መካይን ትካላት ግብረ ሰናይ’ውን ከምዝዘመቱ ሓላፊ USAID ኣብ ኢትዮጵያ፣ ንሲያን ጆነስ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኸዚኑ ዝነበረ ረዲኤት ብሓይልታት ትግራይ ተወሲዱ’ዩ ክብል እቲ ወኪል ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ህወሓት፣ ብዛዕባ’ዚ ብወኪል ትካል ረዲኤት ኣመሪካ ንዝተዋህበ መግለጺ ዛጊት ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣብ ትግራይ ዝፈለመ ኵናት ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ልሒሙ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ካብ መነባብርኡ ናይ ዝተፈናቐለን ረዲኤት ዝጽበን ህዝቢ ሚልዮናት በጺሑ ይርከብ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብዚ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት፣ ኣብ ትካላት ትምህርቲን ሕክምናን ዝኣመሰለ ወሃቢ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፣ ከቢድ ዕንወት አሪዱ ምህላዉ ይግለጽ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Mehari 3 years ago

    TDF is justified to do that, simply because all the aid that was meant for Tigrai has always been blocked from entering Tigrai by Ethiopian forces. In this regard TDF is taking what was normally meant to go to Tigrai in the first place.