ሓይልታት ትግራይን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፈርን ኵናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ከባቢታት፣ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ተቐቲሎም

Radio Erena:19 February 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ዓፈር፣ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራ፣ ብ03 ለካቲት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት – UNHCR ኣፍሊጡ።

እቶም ዛጊት መንነቶም ዘይተነጸረ ዕጡቓት፣ ናብቲ በርሓለ ዝተባህለ መዓስከትር ብምእታው፣ ሓያሎ ደቂንስትዮ ከምዝጨወይን ንብረት ከምዝዘመቱን እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ካብ ስደተኛታት ብዝኣከቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

UNHCR ብ18 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር፣ ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ኣሽሓት ስደተኛታት ኤርትራ፣ ህጹጽ ሓገዝ ንምብጻሕ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣብ ክልል ዓፈር፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፍሉይ ሓይሊ ናይቲ ክልልን ኵናት ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0