ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን፤ ኩሎም በርጌሳውያን ማሕበራት ተጠርኒፎም ሓድሽ ልፍንቲ ክምስርቱ ጸዊዑ

Radio Erena: 04 July 2022

ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ሱዳን፤ ኩሎም በርጌሳውያን ማሕበራት ተጠርኒፎም ሓድሽ ልፍንቲ ክምስርቱ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ሓይሊ ኣሚሙዎ ብዘሎ መሰረት፤ ኩሎም ምንቅስቓሳት እንተሰሚሮም፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት፤ ነቲ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ፤ ክዓልዉዎ ከምዝኽሉ ገሊጹ።

ኣብ 30 ሰነ ንመላእ ሱዳን ዝተንከፈ ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ፤ ማሕበራት ሰብ ሞያ ብዛዕባ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ ገምጋም ንምክያድ ኣኼባ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ብቀዳም ዕለት 2 ዝተኻየደ ኣኼባ፤ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ መንግስቲ፤ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን፤ ጎነጽ ብምጥቃሙ፤ ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ሰባት ቁጽሪ ይውስኽ ምህላዉ ገምጋም ቀሪቡ።

ኣብቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፤ ልዕሊ 600 ሰባት ከኣ ብከቢድን ፎኪስን ቆሲሎም ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፤ ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ክናዋሕን፤ ወተሃደራዊ ምሕደራ ክቕጽልን እንገብር ዘለና፤ ንሕና ብዘይምሕባርና እዩ፤ ብምባል ኩሎም ብጥምረት እንተሰሪሖም፤ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ናይ ክልተ ሳምንታት ዕድመ ጥራይ ከምዝህልዎ ኣመልኪቱ።

ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ፤ ኣብ መንጎ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፤ ወተሃደራዊ ጉጅለን፤ ዘተ ሰላም ንምክያድ፤ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ዝተበገሰ እማመ፤ ዛጊት ዝኾነ ፍረ ኣየርኣየን ዘሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0