“ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ደሴታት የመን መጥቃዕቲ ኣካይዱ” ክብላ ንኣዛዚ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና የመን ሓቢረን

Radio Erena: 04 June 2020

“ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ኣብ ደሴታት ዙቑርን ሓኒሽን ናይ የመን፣ መጥቃዕቲ ኣካይዱ” ክብላ፣ ጋዜጣታት የመን ንኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሜጀር ጀነራል ኻልድ ኣል ቓማሊ ብምጥቃስ ሓቢረን።

እቲ ብረቡዕ 3 ሰነ ከምዝተኻየደ ዝተሓበረ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ብሰለስተ ጀላቡ ከምዝተፈጸመ’ዩ እቲ ምንጪ ዝጠቕስ።

ክልተ ካብተን ናይ ኤርትራ ጀላቡ ክማረኻ እንከለዋ ብውሕዱ ሓንቲ ከምዝሃደመት ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ለንደን እትሕተም ጋዜጣ ኣልቁዱስ ብወገና፣ ንኣፈኛ ሓይልታት ልፍንቲ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፣ ኮለነል ዋዳሕ ኣል ዱበይሽ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ናብ ደሴታት የመን ድሕሪ ምጽግዐን፣ ኣርባዕተ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክጨውያ’የን ፈቲነን።

እንተኾነ፣ ክልተ ካብተን ጀላቡ ምስ ሸሞንተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ድሕሪ ምትሓዘን፣ ክልተ ከምዝሃደማ እቲ ኮለነል ኣመልኪቱ።

እቶም ብየመን ከምዝተታሕዙ ዝግለጹ ዘለዉ ሸሞንተ ኤርትራውያን፣ ኣርባዕተ ወትሃደራዊ ልብሲ ዝወደዩ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ድማ ሲቪል ዝተኸድኑ’ዮም።

ብዛዕባ’ዚ ብኣዛዚ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ የመን ይኹን ብኣፈኛ ሓይልታት ልፍንቲ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝተዋህበ መግለጺታት ኣመልኪቱ ካብ ወገን ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ የለን።

ኤርትራን የመንን ብሰንኪ ዋንነት ደሴታት ዝቑር- ሓኒሽ፣ ኣብ 1995 ዘካየድኦ ኵናት፣ ኣብ 1998’ዩ ብዳንነት ፍርዲ ንየመን ተዋሂቡ።

ድሕሪ’ዚ ብይን ‘ውን እንተኾነ፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ ብሰንኪ ባህላውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክስሓሓባ እኳ እንተጸንሓ፣ ኣብተን ደሴታት መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ ላዕለዎት ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ የመን ብወግዒ ክወቕሱ እዚ ናይ ትማሊ ፍጻሜ ንፈለማ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Daniel F 4 years ago

    ኣምባገነን ኤርትራ ነዚ ተጻባኦታት ዝገብር ዘሎ
    ብኽልተ ምኽንያት ኢዩ ሓደ የመን ምስጎረባብታ በቲ ተካይዶ ዘላ ውግእ ደኺማ ስለዘላ
    ካልኣይ ነቶም ኣብ ሳዋ ዝተዓለሙ ስርሕ ንምሃብ
    ምማቶም ብዘግድስ
    እዙ ህጅ ውግእ ዝተገብረሉ እቲ 1995 ውግእ ዝተገብረሉ ቦታዩ ሳእቤን ኣለዎ