ሓይሊ ባሕሪ ስጳኛ 18 ኤርትራውያን ቆልዑ ዝርከብዎም 282 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

ሓይሊ ባሕሪ ስጳኛ 18 ኤርትራውያን ቆልዑ ዝርከብዎም 282 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣድሒኑ

Radio Erena: 30 May 2017

spanish navy

ሓይሊ ባሕሪ ስጳኛ፣ 18 ኤርትራውያን ቆልዑ ዝርከብዎም 282 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓንቲ ናይ ዕንጨት ሓንቲ ከኣ ናይ ጎማ፣ ብ ክልተ ጃላቡ ተጻዒኖም ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ እቶም ስደተኛታት፣ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ምእታዎም፣ ኣብቲ ቦታ ኣብ ሓለዋ ተዋፊራ ብዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ስጳኛ ከምዝደሓኑ’ዩ እቲ መግለጺ ዘመልክት።

ካብቶም ዝሓለፈ ሰሙን ዝደሓኑ ስደተኛታት፣ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድሚኦም 18 ኤርትራውያን ቆልዑ ምዃኖም’ውን መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ስጳኛ ኣነጺሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ 24 ግንቦት፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባሕሪ፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ቆልዑ ዝርከብዎም ብውሕዱ 34 ሰባት ከምዝጠሓሉ ክግለጽ’ዩ ቀንዩ።

ኣብዚ ወቕቲ’ዚ ባሕሪ ዝሃድኣሉ ብምዃኑ፣ ካብ ገማግም ሊብያ ናይ ዝብገሱ ብዝሒ ስደተኛታት ክንህር ምዃኑ’ዩ ዝግመት።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ዶባት ምብራቕ ኤውሮጳ እናቆራረጹ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝሓለኑ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም ሸውዓተ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዶብ ሮማንያ ከምዝተታሕዙ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን፣ ፖሊስ ግሪኽ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክነጥፉ ጸኒሖም ንዝበሎም ሓደ ኣልጀርያውን ሓደ ኣልባንያውን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ገሊጹ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0