ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣጽዋር ዝጸዓነት ጃልባ ሒዙ

Radio Erena: 27 September 2022

ሓይሊ ባሕሪ ሱዳን፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣጽዋር ዝጸዓነት ጃልባ ከምዝሓዘ ንመግለጺ ኣፈኛ ሰራዊት እታ ሃገር ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

እቲ ብ24 መስከረም ኣብ ክሊ ማይ ሱዳን፣ ከባቢ ደሴት ሳባት ዝተታሕዘ ኣጽዋር፣ ልዕሊ 90 ጠበናጁ፣ 160 Grinov ዝዓይነቱ ማሺንጋን፣ 182 ሳናዱቕ ጠያይትን ልዕሊ 43 ሳናዱቕ ቦምባታትን ተፈንጀርትን ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣጽዋር፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ የመን ዝመጸ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ ናብ መንን ንምንታይ ዕላማን ክውዕል መደብ ከምዝነበሮ ኣየነጸረን።

ነታ ጃልባ መሪሖም ዝመጽኡ ኣርባዕተ የመናውያን ‘ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት’ውን ናብ ኣልሸባብ ዝተላእከ’ዩ ዝተባህለ ኣጽዋር ዝጸዓነት ጃልባ፣ ኣብ ክሊ ማያት ሶማል ከምዝሓተታዘ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ጠቒሶም።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0