ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን ተዓጊቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ

ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን ተዓጊቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ

eris in swissዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ዶብ ኢጣልያን ፈረንሳን ተዓጊቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።
እቶም ኣብ ከባቢ ከተማ ቨንቲሚሊያ ናይ ኢጣልያ ተዓጊቶም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ብፈረንሳ ኣቢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝሕልኑ ምዃኖም ተፈሊጡ።

እንተኾነ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብታ ከተማ ብብዝሒ እንተተኣኪቦም ከም ናይ ፈረንሳ ከተማ ካሌ ኣብ ጣሻታት ብምስፋር ምስሊ ከተማ ከይድዉኑ ብምባል ናብ ካልእ ቦታ ከግዕዞም ይፍትን ኣሎ። ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣባላት ስድራቤቶም ኣብ ስዊዘርላንድን ብሪጣንያን ስለዘለዉ፣ ምስ ስድራቤቶም ክጽምበሩ እዮም ዝደልዩ፣ ክብል ሰብኣዊ ረዲኤት ዝልግሰሎም ዘሎ ትካል ‘ኖ ቦርደርስ’ ይሕብር።
ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኾኑ ከባቢ 150 ስደተኛታት ብክሊ ማያት ኢጣልያ ኣቢሎም ናብ ፈረንሳ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተኑሉ፣ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ንኩላቶም ቀዪዱ ናብ ሰበስልጣን ኢጣልያ ከምዘረከቦም ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ኣንገሊኖ ኣልፋኖ፣ ‘ከተማታትና ዳግማይ ካሌ ክኾና ኣይነፍቅድን ኢና’ ድሕሪ ምባል ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ስደተኛታት ብፍታው ኮነ ብቐስበን ክእለዩ ምኻኖም ምስ ረፖብሊካ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።
ምስ ስዊስ ኣብ ዘዳዉብ ከባቢታት ‘ኮሞ’ እውን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝኾኑ ከባቢ 400 ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ይግለጽ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ብውሑዱ 94 ሽሕ ስደተኛትት ካብ ሊብያን ግብጽን ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ትካላት ስደተኛታት የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0