ሓያሎ ሰበስልጣን ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምስግጋር ደቂሰብ ምውፋር ገና ይቕጽሉዎ ከምዘለዉ ተገሊጹ

ሓያሎ ሰበስልጣን ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምስግጋር ደቂሰብ ምውፋር ገና ይቕጽሉዎ ከምዘለዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 21 January 2018

dob ertra sudanሓያሎ ሰበስልጣን ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ምስግጋር ደቂሰብ ምውፋር ገና ይቕጽሉዎ ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፉ ሱዳናውያን ማሕበራት ኣብ ዝገበሩዎ መጽናዕቲ፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ሓላፊ መርመራ ገበን ዝነበረ ኮሎኔል ዓዋድ ሙፍታሕ ዝርከቦም ሓያሎ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እኳ እንተኣተዉ፣ እቲ ኣብ ምስግጋር ደቂሰብ ተዘርጊሑ ዘሎ መርበብ ግና፣ ሕጂ’ውን ይቕጽል ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ሱዳን ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ ስደተኛታት ንምግታእ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝገበሮ ስምምዕ መሰረት ብኣማኢት ሚልዮናት ዩሮ ሓገዝ ከምዝተቐበለ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ መንግስቲ ሱዳን ካብ ሚያዝያ 2016 ክሳብ መጋቢት 2017 ጥራይ 298 ሱዳናውያን፣ 159 ኤርትራውያን፣ 55 ኢትዮጵያውያን ከምኡ’ውን 22 ሊብያውያን ዝኾኑ ከባቢ 600 ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዝበሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ይገልጽ።

ኣብ ወደልሒሉ፣ ሓምዳይት ሸገራብን ካልእ ከባቢታት ከሰላ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፣ እቲ ኣብ ሰበስልጣን ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ሱር ሰዲዱ ዘሎ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ፣ ሓበሬታ ኣብ ምትሕልላፍን ገበናት ኣብ ምሽፋንን ቀንዲ መሳርሒ ኮይኑ ከምዘሎ ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ከምዝሓበሩ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ህዩማን ራይትስ ዎች፣ ናይ 13 ኤርትራውያን ቃለመጠይቕ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ነቶም ስደተኛታት ናብ ዘይጋውያን ኣሰጋገርቲ ከምዘረከቡዎም ኣቃሊዑ’ዩ።

ኣብ መንጎ ሕብረት ኤውሮጳን መንግስቲ ሱዳንን ስደተኛታት ንምግታእ ብ ‘ካርቱም ፕሮሰስ’ ስፍለጥ ስምምዕ ካብ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0