ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓላዊኡ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ህይወቱ ሓሊፋ

Radio Erena: 24 June 2019

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓላዊኡ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ህይወቱ ከምዝሓለፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ትማሊ 23 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ምስ ጥሮታ ዝወጸ መጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራ ኣብ መንበሪ ገዝኡ እንከሎ ካብ ሓላዊኡ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝተቐትለ ሓቢሩ።

ናይቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋን፣ ቅትለት ናይዚ ሓለቓ ስታፍ ሓላፍነት ዝወስድ ሓላፊ ጸጥታ ናይቲ ዞባ ዝነበረ ብርጌደር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ከምዝኾነ’ዩ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገልጽ።

ኣብቲ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋ፣ ኣመሓደርቲ’ቲ ዞባ ኣብ ኣኼባ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣብ ልዕሊኦም ተኹሲ ተኸፊቱዎም፣ እቲ ኣማሓዳሪ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት እውን ከምዝቖሰሉን መንግስታውያን ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ኣቃሊሐን።

እዚ ኣብ ባህርዳር ዝተኻየደ ፈተነ ዕልዋን፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ቅትለት ክልተ ጀነራላትን ቀጥታዊ ምትእስሳር ክህልዎ ከምዝኽእል’ዮም ዲፕሎማሰኛታት ዝገልጹ ዘለዉ።

ድሕሪ’ዚ ፍጻሜታት ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ኣብ ጽኑዕ ወተሃደራዊ ሓለዋ ኣትየን ኣለዋ። ኣብ መደብ ዝጸንሐ ህዝባዊ ኣኼባታት እውን ንግዚኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ ይግለጽ።

ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ኣብዚ ክልተ ፍጻሜታት ዝተሳተፉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ እኳ ይግለጽ እንተሎ፣ መስርሕ ምቕራም ግና፣ ገና ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ብሓላፍነት ዝሕተት ዘሎ ብርጌደር ጀነራል ኣሳምነው ጽገ፣ ኣብቲ ዝሓለፈ ስርዓት ‘ፈተነ ዕልዋ ከተካይድ መዲብካ’ ተባሂሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪዱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ ብምሕረት ወጺኡ፣ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ’ዩ ከገልግል ጸኒሑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0