‘ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ኣካይዱ’

Radio Erena: 17 January 2022

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ዞባ ኣቡዳቢ፣ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተጠርጠረ ምፍንጃር ከምዘጋጠመ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

እቲ ምፍንጃር፣ ነዳዲ ኣብ ዘመላልሳ ሰለስቲ ዓበይቲ ቦጣት ከምዘጋጠመ’ዩ ተሓቢሩ።

ሑቲ ናይ የመን፣ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ ኣሎ።

በቲ ሎሚ ሰኑይ 17 ጥሪ፣ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ዞባ ሙሳፍሓ፣ ነዳዲ ኣብ ዝኽዘነሉ ከባቢ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ክቕተሉ እንከለው ሽዱሽተ ሰባት’ውን ቆሲሎም።

ብስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝምራሕ፣ ኤርትራ ድማ ዝተጸንበረቶ ወትሃደራዊ ልፍንቲ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብ የመን ብዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለ ይግለጽ።

ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ተደጋጋሚ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ዘካየደ ሑቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ።

ሑቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ወትሃደራዊ ቀረባት ዝጸዓነት መርከብ ሕቡራት ኢማራት፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ የመን ከምዝማረኸ ምግላጹ ይዝከር።

ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ብወገነን፣ እታ መርከብ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጸዓነት ምዃና ብምጥቓስ፣ ሑቲ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍንዋ እንተዘይክኢሉ፣ ወትሃደራዊ ግብረ መልሲ ከምዝህባሉ የመልክታ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ኢራን ክመጽእ ንዝኽእል ተጻብኦታት ንምምካት፣ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልምምድ ዝረካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ነዚ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣቡ ዳቢ ኣካይደዮ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብዝምልከት መልሲ ክህባ ትጽቢት ይግበር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0