ሑቲ ናይ የመን፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ባለስቲካዊ ሚሳይል ወንጪፉ

Radio Erena: 20 November 2022
ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ባለስቲካዊ ሚሳይል ብምትኳሱ፣ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ስሒቡ።
እቲ ሑቲ ካብ ከተማ ሰንዓ ዝወንጨፎ ሚሳይል፣ ኣህጉራዊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ክበጽሕ ብምኽኣሉ፣ ንመስመር ንግዲ ባብ ኤል መንደብ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ከምዝኽእል ወተሃደራውያን ምንጭታት ገሊጾም።
ሑቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ክሊ ማያቱ ንምሕላው ናይ ባሕሪያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክጅምር ምዃኑ ኣጠንቂቑ እዩ።
ምንጭታት ዜና ካብ ከተማ ሖደይዳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዜና ሑቲ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ክተኽሎ ዝመደበ ብዝሒ ዘለዎ ነታጒ፣ ናብታ ሃገር ከምዘእተወ ኣፍሊጦም።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ዝተራሕረሐት ናይ ነዳዲ ካርጎ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጽዕነታ ከራግፎ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ እዩ፣ ሑቲ ነዚ ናይ ባሕርያ መጥቃዕቲ ዝምድብ ዘሎ ክብሉ ወተሃደራውያን ምንጭታት ብወገኖም ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0