ሑቲ፣ ኣብ ኢራን ሓድሽ ኣምባሳደር ምምዛዙ፣ ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ወጥሪ ፈጢሩ

Radio Erena: 20 August 2019

ብኣመንቲ ሺዓ ዝምራሕ ሑቲ ናይ የመን፣ ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ኢራን ኣምባሳደር ምምዛዙ፣ ኣብቲ ዞባ ተወሳኺ ወጥሪ ፈጢሩ።

ኣብ የመን ዓብላሊ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ቦታ ሒዙ ዝርከብ ሑቲ፣ ኣብ ኢራን ኣምባሳደር ምምዛዙ ዘይኮነ፣ ኢራን ካብቲ ብኣህጉራዊ ደረጃ ከም መንግስቲ ተቐባልነት ዘይረኸበ ሑቲ ዝተሸመ ኣምባሳደር ብወግዒ ብምቕባላ’ዩ ነቲ ወጥሪ ኣጋዲዱዎ።

ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሪያድ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን፣ ኢራን ካብ ሓደ ዕጡቕ ንዝተመዘዘ ወኪል ከም ናይ የመን ኣምባሳደር ምቕባላ፣ ኣህጉራዊ ውዕላት ብምጥሓሳ ከሲሱ።

ሑቲ ኣብ ኢራን ናይ ጀመርያ ኣምባሳደር ከምዝመዘዘ ብውግዒ የፍልጥ ደኣ’ምበር፣ ኢራን፣ ብዛዕባ ምምዛዝ ሓድሽ ኣምባሳደር ሑቲ ይኹን መንግስቲ የመን ዝሃቦ ግብረ መልሲ ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበትሉን።

ይኹን’ምበር፣ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን፣ ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜናኢ፣ ንሓደ ካብ ኣፈኛታት ሑቲ ንዝኾነ መሓመድ ዓብዱል ሰላም፣ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ እናተቐበለ ዘርኢ ስእሊ፣ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ተዘርጊሑ ኣሎ።

ኢራን፣ ንሑቲ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ደገፍ ትህብ ኣላ ክብላ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝርከብአን ሃገራት ወሽመት ክወቕሳ ጸኒሐን’የን።

ሑቲ፣ ርእሰ ከተማ ሰንዓ ዝርከቦ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0