ሑቲ፣ ንሰላማዊ ህዝቢ ዝተለገሰ እኽሊ ዝጸዓና 72 ዓበይቲ መካይን ዘሚቱ

ሑቲ፣ ንሰላማዊ ህዝቢ ዝተለገሰ እኽሊ ዝጸዓና 72 ዓበይቲ መካይን ዘሚቱ

Radio Erena: 06 January 2019

yemen wfpብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ናይ የመን፣ ንሰላማዊ ህዝቢ ዝተለገሰ እኽሊ ዝጸዓና 72 ዓበይቲ መካይን ከምዝሃገረ ተገሊጹ።

ኣል ሻርቕ ኣልኣውሳጥ ብ5 ጥሪ ኣብ ዝዘገሖ ሓበሬታ፣ ዓለማዊ ውድብ መግቢ፣ ረዲኤት ንዝጽበይ ዝነበረ ህዝቢ ከካፋፍሎ ናብታ ሃገር ዘእተዎ መግቢ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ ይህግርዎ ስለዘለዉ፣ ክንቀሳቐስ ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

እቶም ዕጡቓት፣ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረዲኤት እውን ስዉር ገበናት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ዓለማዊ ውድብ መግቢ ምኽሳሱ ይግለጽ።

ከምዝፍለጥ ልዕሊ 22 ሚልዮን ህዝቢ የመን ተጸባዪ ረዲኤት እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ብኻልእ ወገን፣ ፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ማርቲን ግሪፊዝ፣ ብሓሙሽተ ጥሪ ናብ ከተማ ሰንዓ ኣትዩ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ መራሕቲ ሑቲ ብምርኻብ ብዛዕባ ዘተ ሰላም ድሕሪ ምዝርራብ ኣማስያኡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ክዘራረብ ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ንመላእ ህዝቢ የመን ረዲኤት ንከተካፋፍል ወደብ ሖደይዳ ካብ ህላዌ ክልቲኦም ሓይልታት ናጻ ንምግባራ ዝዓለመ ምዃኑ ምንጭታት ዜና የመልክቱ።

ውግእ ሓድሕድ የመን ብዘተ ንምፍታሕ ተደጋጋሚ ጻዕርታት ክካየድ እኳ እንተጸንሐ፣ ዛጊት ብዘይፍረ እዩ ክቋረጽ ጸኒሑ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0