ሑቲ፣ ምሩዃት ዝርከብዎም ኣስታት 300 እሱራት ብናጻ ኣፋንዩ

Radio Erena: 02 October 2019

ኣል ሑቲ ናይ የመን፣ ምሩዃት ኵናት ዝርከብዎም ኣስታት 300 እሱራት ነጻ ከምዝፈነወ ኣፍሊጡ።

እቶም እሱራት ብሰኑይ 30 መስከረም ዝተፈትሑ፣ ኣካል ናይቲ ኣብ 2018 ኣብ ስቶኮልም ንዝተበጽሐ ስምምዕ ዘለዎ ደገፍ ምርግጋጽን መርኣያ ሰናይ ድሌትን ምዃኑ ሓላፊ ኮሚተ እሱራት ሑቲ ዓብዱልቓድር ኣል ሙርታዳ ገሊጹ።

ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝበጽሑ ወትሃደራት ስዑዲ ዓረብ ከምዝማረኸን ብምሕረት ከፋንዎም ምዃኑን ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

42 ካብቶም ተፈቲሖም ዘለዉ እሱራት፣ ካብቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብዚ ፈለማ ወርሒ፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ማእሰርቲ ዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብህወይት ዝደሓኑ’ዮም።

ኣብቲ ደብዳብ፣ ምሩዃት ኵናት ዝርከብዎም 150 እሱራት ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0