ሑቱ፣ ንኤርትራ ኣብ ዘዋስን መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ፣ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣጥቂዑ

Radio Erena: 04 October 2016

UAE

ዝተፈላለየ ሓገዛት ጽዒና ናብ የመን እተምርሕ ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብዕጡቓት ሑቲ ከምዝተጠቕዐት ኣገልግሎት ዜና ኢማራት ዋማ ሓቢሩ።

እታ፣ ንኤርትራ፣ ጅቡቲን የመንን ኣብ ዘዋጽን መጻባቦ ባብ ኤል መንደብ ብቀዳም 1 ጥቅምቲ ዝተጠቕዐት መርከብ፣ ናብ ወደብ ዓደን እናምርሐት እንከላ ከምዝተሃርመት ኣፈኛ ሑቲ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረጋግጊጹ።

እታ መርከብ፣ ሕክምናውን ካልእ ሓገዝን ጽዒና ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ እናተንቀሳቐሰት፣ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወላ ዘረጋገጸ ኣገልግሎ ዜና ኢማራት፣ እቲ መጥቃዕቲ ብነፈርቲ ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽእል ይእምት።

እንተኾነ ሑቲ፣ ነታ ወትሃደራዊ ሓገዝ ዝጸዓነት’ያ ዝበላ መርከብ ዘጥቕዓሉ መሳርሒ ኣየነጸረን።

ንወደብ ዓሰብ ንሎጂስቲካውን ወትሃደራውያን ኣገልግሎታት እትጥቐመሉ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ መራኽባ ካብ ዓሰብ ናብ ዓደን ብቀጻሊ ይመላለሳ ምህላወን ይፍለጥ።

እንተኾነ እዛ ብቀዳም ተጠቒዓ ዘላ መርከብ ካበይ ወደብ ከምዝተበገሰት ኣይተነጸረን።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0