ልዕሊ 5 ሽሕ ሶማላውያን፣ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝወሰዱ ተገሊጹ

Radio Erena: 01 March 2021

ካብ 19 ታሕሳስ 2019 ኣትሒዙ፣ ክሳብ’ቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ በረራታት ደው ዝበለሉ መጋቢት 2020፣ ወትሃደራት ሶማል ዝጸዓና ነፈርቲ ካብ ሞቛድሾ ተበጊሰን ናብ ኤርትራ ይበራ ምንባረን መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሶማል ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከን ዜና ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ፣ ንመርመራዊ ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ መብዛሕቶም እቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ሶማላውያን፣ ብሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል ዝተመልመሉ ኮይኖም፣ ኣስታት 135 ዓበይቲ ዓድን ኣባላት ፓርላማ ሶማል’ውን ኣበርክቶ ከምዝነበሮም ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብጠቕላላ ካብ 5 ሽሕ ክሳብ 7 ሽሕ ዝግመቱ ሶማላውያን ወትሃደራት ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ ብምጥቃስ፣ እቲ ቁጽሪ ካብዚ ከምዝውሕድ ዝሕብሩ ምህላዎም ኣገንዚቡ።

ካብዞም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ኣሽሓት ሶማላውያን ወትሃደራት፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ካብ ዝተሳተፉ ኣስታት 300 ከምዝሞቱ ድሕሪ ምቅልሑ፣ ኣብ ሶማላውያን ኣዴታት ቁጠዐን ተቓውሞን ኣስዒቡ’ዩ።

ድሕሪ ተቓውሞ ኣዴታት ሶማል፣ ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር፣ ናብ ኤርትራ ዝልኣኾም መንእሰያት ሶማል፣ ንስልጠና ደኣ’ምበር ናብ ኵናት ከምዘይኮነ’ዩ ገሊጹ።

ተቓውሞ ኣዴታት ሶማል ንምርግጋእ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ሶማላውያን ነናብ ስድራቤታቶም ክድውሉ ከምዝተፈቕደሎም፣ ሓንቲ ስድራ ድማ ውላዳ ኣብ እዋን ታዕሊም ብሓደጋ ከምዝሞተ ብሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሶማል ከምዝተነግራን እቲ መርበብ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0