ልኡኽ ሩስያ ምስ ሱዳን ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምብርባር፣ ናብ ካርቱም ከምርሕ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 December 2021

ኣብ መንጎ ሱዳንን ሩስያን ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምብርባር ዝዓለመ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ ናብ ካርቱም ክበጽሕ ምዃኑ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ሓቢሩ።

ኣብ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ብሓላፊ ክፍሊ ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ዝምራሕ ልኡኽ ሩስያ፣ ቅድሚ ናብ ካርቱም ምምርሑ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣል ሑሰን ከምዝተመያየጠ እቲ ኣብ ወትሃደራውን ስለያውን ንጥፈታት ብምትዃር ጸብጻባት ዘቕርብ መርበብ ገሊጹ።

ወትሃደራዊ ልኡኽ ሩስያ ናብ ሱዳን ዝበጽሓሉ ዕለት ኣይተነጸረን።

ኣብ መንጎ ሩስያን ሱዳንን ተጀሚሩ ዝነበረ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓተ በሺር ደስኪሉ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ፖርት ሱዳን ወይ ድማ ስዋኪን፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ምህናጽ መደብ ዝነበራ ሩስያ፣ ምስ ምቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ሕልምታታ ከተግህድ ኣይከኣለትን።

መሰጋግሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ሱዳን ንምስራዝን ነታ ሃገር ካብ ቁጠባዊ ውድቀት ንምድሓንን ጠመትኡ ናብ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ብምግባር፣ ሩስያ ምስ ስርዓት በሺር ዝኸተመቶ ውዕላት ዳግመ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ብምጥቃስ፣ ደው ኣቢልዎ’ዩ ጸኒሑ።

25 ጥቅምቲ ዕልዋ ብምክያድ ሓድሽ መንግስቲ ሰሪዑ ዝርከብ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ክመጽእ ንዝኽእል ጸቕጢ ከም መሐለውታ ምስ ሩስያን ቻይናን ዝምድናታቱ ከሐይል ተኽእሎ ከምዘሎ ተንተንቲ ይእምቱ።

ምብርባር ናይቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ ስምምዕ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ምስ ሩስያ’ውን ኣካል ናይዚ ውጥን እዚ ክኸውን ከምዝኽእል ይጥቀስ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0