ልኡኻት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራ ምስ ህወሓት ተፈጢሩ ብዛዕባ ዘሎ ወጥሪ ብዝምልከት ኣብ ኣስመራ ተመያይጦም

Radio Erena: 17 June 2022

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ፍሉያት ልኡኻት፣ ዳቪድ ኮርፔላ ከምኡ ድማ ፍሉይቲ ልእኽቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን፣ ኣነት ወበር ዝመራሕ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣስመራ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ወኪል ኣብቲ ካብ 6 ክሳብ 8 ሰነ ኣብ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ ዕለታት፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረበ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣረጋጊጹ።

ብፍላይ ዝተዘራረበሉ ነጥቢ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን ምስ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምፍጣጥ ናብ ተወሳኺ ግጭትታት ዓሪጉ፣ ነቲ ዞባ ናብ ዝበኣሰ፣ ዝተሓላለኸን ዝነውሐን ዘይምርግጋእ ከይሸሞን ዝብል ከምዝርከቦ ተመልኪቱ።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብቲ ናይ ኣስመራ ዑደቱ፣ ምስ ዝተፈላለቱ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ምዝታዩ ሓቢሩ።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0