ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ናይተን ሰራዊተን ኣብ ሶማል ኣዋፊረን ዝርከባ ሃገራት ኣኼባ ኣካይዶም

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ናይተን ሰራዊተን ኣብ ሶማል ኣዋፊረን ዝርከባ ሃገራት ኣኼባ ኣካይዶም

Radio Erena: 02 March 2018

daily

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይተን ሰራዊተን ኣብ ሶማል ኣዋፊረን ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብ28 ለካቲት ኣብ ካምፓላ፣ ርእሰ ከተማ ኡጋንዳ ኣኼባ ከምዘካየዱ ማዕከን ዜና ደይሊ ሞኒተር ሓቢራ።

እቶም ኣሕሉቕ ስታፍ ሰራዊት ኡጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ኬንያ፣ ሶማልያን ጅቡቲን ከምኡ ድማ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተረኽብሉ ኣኼባ፣ ብዛዕባ ህሉዉ ወትሃደራውን ጸጥታውን ኩነታት ሶማል ንምግምጋም ዝዓለመ’ዩ።

እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣኼባ ዘካይዱ ዘለዉ፣ መራሕቲ እተን ሃገራትን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ምክልኻልን ዝሳተፍዎ ኣኼባታት ኣብዚ ቀረባ ክካየድ ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብ ሶማል፣ ካብዘን ሃገራት ዝተዋጽአን ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈን ኣስታት 30 ሽሕ ሰራዊት ተዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0