ላዕለዎት ኣካላት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ይዝትዩ

Radio Erena:10 June 2021

ላዕለዋት ኣካላት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብምትኳር፣ ሎሚ ሓሙስ 10 ሰነ ዘትዮም።

እቲ ብናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተኻየደ ዘተ፣ 7 ወርሑ ኣቑጽሩ ዘሎ ኵናት ትግራይ ፈጢርዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብዝቐልጠፈ ዝፍትሓሉ መንግድታትን ንምንዳይ ዘንቀደ’ዩ።

ክልቲኦም ኣካላት፣ ኮሚሽን ኤውሮጳን ትካል ረዲኤት ኣመሪካ- ዩኤስኣይድን፣ ንህዝቢ ትግራይ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብህጹጽ ዘብጽሕሉ ተባዕን ግብራውን ስጉምታት ንምውሳድ ዘኽእል ኣህጉራዊ ምትሕብባር ክህሉ ኣብ ዝብል’ውን መኺሮም።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መነባብርኡ ክመዛበል እንከሎ፣ ኣስታት 5 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጻብዩ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኑ ኣሎ።

ይኹን’ምበር፣ ሰራዊቶም ኣብ ትግራይ ኣዋፊሮም ዝርከቡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ናብ ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ከይበጽሕ፣ ይዕንቅፉ ከምዘለዉ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ይወቕሳ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0