ላዕለዎት መራሕቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኦነግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ላዕለዎት መራሕቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኦነግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

Radio Erena: 15 August 2018

ONLF

ላዕለዎት መራሕቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ናይ ሰላም መስርሕ ንምስታፍ ብ13 ነሓሰ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቲ ግንባር ላዕለዎት መራሕቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ምእታዎም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ በይናዊ ናይ ቶኽሲ ምቁራጽ ኣዋጅ ኣውጺኡ’ዩ።

እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዝርርብ ክዕወት ዘለዎ ድሌት ዝገለጸ፣ እቲ ንናጽነት ዞባ ኦጋዴን ዝቃለስ ሓይሊ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ንመስርሕ እቲ ሰላም ዝዕንቕጹ ተበግሶታት ካብ ምውሳድ ክቑጠብ ተላብዩ።

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ካብ 1982 ኣትሒዙ ንዞባ ኦጋዴን ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ብረት ዝዓጠቐ ሓይሊ ኮይኑ፣ ኢርትራን ኢትዮጵያ ኣብ 1998 ናብ ኵናት ድሕሪ ምምርሐን፣ ኣብ ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ክኸፍት እንከሎ፣ ስልጠና ሰራዊቱን ዜናዊ ሸፈነን ኣብ ኤርትራ ክወሃቦ ጸኒሑ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ውን ምስ መራሕቲ እቲ ግንባር ርክብ ከምዘካየደ ይዝከር።

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተወከሉ ኣስታት 250 ኣባላት እቲ ግንባር ኣብ ዝሓለፍ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ኣኼባ ምክያዶም’ውን ኣይርሳዕን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ኣስመራ ዝጸንሑ ሓለፍቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ’ውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መራሒ ምንቅስቓስ ንናጽነት ዓፈር’ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኣሎ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0