ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ኣመሪካ ናብ ጂቡቲን ሶማልን በጺሒ

Radio Erena: 21 May 2021

ብኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃ፣ ጀነራል ስቴፈን ታውንሰንድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ እዚ ኣመሪካ ናብ ጂቡቲን ሶማልን በጺሑ።

ጀነራል ታውንሰንድ፣ ብ18ግንቦት ናብዘን ሃገራት ዝበጽሐ፣ ህሉወ ወትሃደራዊ ኣቃውማ ሰራዊት ኣመሪካን ጸጥታዊ ኩነታት እዘን ሃገራትን ንምግምጋም ምዃኑ ተመልኪቱ።

ኣብ ጂቡቲ ኣብ በጽሓሉ፣ ምትዕርራይ ዘካይድ ንዘሎ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ዞባ ቀርኒ ከምዝተዓዘበ ዝጠቐሰ እቲ ጀነራል፣ ኣብ ሶማል ድማ፣ ተሪፉ ዘሎ ሰራዊት ኣመሪካ ንዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ብዝምልከት ተመያይጡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሶማል ብዝምልከት ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ሶማል፣ ሓሰን ሑሰን ሓጂን ምክትል ኣዛዚ ሓይልታት ሶማል ብርጋዴር ጀነራል ዓባስ ኣሚን ዓሊን ተዘራሪቡ።

እቲ ጀነራል፣ ኣብ ናይ ሶማል ዑደቱ፣ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ብምምራሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ኣሕመድ ማዶበ ኣብ ከተማ ኪስማዮ ተራኺቡ።

ዝበዝሐ ክፋል ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል ስሒቡ እኳ እንተኾነ፣ ኣመሪካ ንህሉው ጸጥታዊን ፖለቲካውን ኩነታት ሶማል ብቀረባ ትከታተሎ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።

ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ናይ ሶማል ዑደቱ ብዝያዳ ዘተኮረሉ ዛዕባ ድማ፣ ኣብታ ሃገር ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ቁርቁስን ጸጥታዊ ሃጓፋታን’ዩ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0