ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 21 February 2020

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጀነራል ኣደም መሓመድ ዝምራሕ ላዕዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዘካየደ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ልኡኽ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ስዑዲ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ፈሃድ ቢን መሓመድ ኣል ሩዋልን ካልኦት ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣንን እታ ሃገር ተመያይጡ።

ዕላማ ዑደት ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ወትሃደራውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ምናብሩ ተሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ጂቡቲን ሶማልን ዝሓቖፈ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወትሃደራዊ ጽልዋታት ብምዕባይ ኮራኩር ክህልውዋ ትጽዕር ከምዘላ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዘካየደ ይፍለጥ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0