ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ፈረንሳ ክመያየጥ’ዩ

Radio Erena: 30 January 2020

ብሚኒስተር ምክልኻል ኣቶ ለማ መገርሳ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ወትሃደራዊ ስምምዓት ብዝምልከት ተወሳኺ ምይይጥ ንምክያድ ፈረንሳ ኣትዩ ኣሎ።

እቲ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝርከብዎ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝጸንሓሉ ሰለስተ መዓልታት ምስ ፕረዚደንት ቤት ጽሕፈት፣ ሚኒስተራት ምክልኻልን ጉዳያት ወጻኢን ከምኡ ድማ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ፈረንሳን ክመያየጥ’ዩ።

ኢትዮጵያ ዳግም ክትሃንጾ መዲባ ንዘላ ሓይሊ ባሕሪ፣ ምሉእ እምነት ኣብ ፈረንሳ’ያ ኣንቢራ ዘላ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኢትዮጵያ ከተዕብዮን ክትሕድሶን ንዝመደበት ሓይሊ ኣየር’ውን ካብ ፈረንሳ፣ ነፈርቲ ውግእ ንምሽማት ውጥን ኣለዋ።

ማዕከን ዜና ለ ፑዋ ናይ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣጽዋር ካብ ፈረንሳ ብመልክዕ ልቓሕ ንምሽማት ሰነደ ከምዘቕረበ ኣቃሊዑ’ዩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ፣ ምሕያልን ሓይሊ ኣየርን ካልእ ወትሃደራዊ ኣሃዱታትን’ውን ዝተፈላለየ ስምምዓት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከምዝኸተሙ ይዝከር።

ካብቲ እዋን’ቲ ንደሓር፣ ፈረንሳ፣ ክልተ እዋን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከተሰልጥን እንከላ፣ ሓድሽ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ሜጀረ ጀነራል ክንዱ ገዙ ዝመርሖ ወትሃደራዊ ልኡኽ ድማ ኣብ ሻርቡግ ናብ ዝርከብ ማእከል ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ን ካልእ ወትሃደራዊ ነቑጣታትን ከምዝበጽሐ ብሬድዮ ኤረና ኣቐዲማ ኣቃሊሓቶ’ያ።

ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ሓይሊ ባሕሪ ዳግም ንምቛም እንታይ ኣድለያ ዝብል ሕቶ ንላዕሊ ኣበይ ከተቑሞያ ዝብል ነጥቢ’ዩ ዝያዳ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ።

10ታት ቢልዮናት ውህሉል ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ’ውን ዘመናዊ ጸረ ነፈርቲ ምሽማታ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ማዕከን ዜና ዘ ስፑትኒክ ኣብ ዓምዱ ኣስፊሩ ይርከብ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0