ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ውጺኢት ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ እታ ሃገር ይሰረዝዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል ውሳኔ ክህበሉ’ዩ

Radio Erena: 05 September 2022

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ነቲ ውጺኢት ናይቲ ኣብ 9 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር፣ ይሰረዝ ዶ ኣይፋል ኣብ ዝብል፣ ሎሚ ሰኑይ 05 መስከረም ውሳኔ ክህበሉ ‘ዩ።

ሸውዓተ ኣባላት ዝሓቖፈ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ነቲ ኣካራኻሪ ኮይኑ ዘሎ ውጽኢት ምርጫ፣ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ምምኽኻርን መጽናዕትን ድሕሪ ምክያድ’ዩ፣ ሎሚ ውሳኔ ክህበሉ ትጽቢት ተጌሩ ዘሎ።

50.5% ናይ ድምጺ ድጋፍ ብምርካብ፣ መበል ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ብጸቢብ ዝተዓወተ፣ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ዊልያም ሩቶ፣ ምድንጋራት ከምዝፈጸመ’ዩ ብተወዳዳሪኡ ራይላ ኦዲንጋ ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ።

ዘይበርሀ ነገረ ከምዘሎ ዝጠቐሱ ኣርባዕተ ካብ ሸውዓተ ኣባላት ቦርድ ምርጫ፣ ኣብቲ ውጽኢት ዕቃበታት ከምዘለዎም ኣቐዲሞም ከመልክቱ ጸኒሖም’ዮም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ ንውጽኢት ምርጫ ክስርዝ እንተኽኢሉ፣ ፍርዳዊ ኣካል ካብ ምትእትታው ፈጻሚ ኣካል መንግስቲ ናጻ ምዃኑ ዘመስክረሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክምዝገብ’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0