ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሱዳን፣ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ንዝነበሩ ሰለፈኛታት ዝቐተሉ ሽዱሽተ ወትሃደራት ብሞት ክቕጽዑ ወሲኑ

Radio Erena: 05 August 2021

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሱዳን፣ ኣብ 2019 ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ቶኽሲ ብምኽፋት ሽዱሽተ ሰባት ንዝቐተሉ ሽዱሽት ወትሃደራት ብሞት ክቕጽዑ ከምዝወሰነ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም ንሞት ተፈሪዶም ዘለዉ ሽዱሽተ ወትሃደራት፣ ኣባላት ናይቲ፣ ብምክትል ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዘሎ፣ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ እዚ’ዮም።

ኣብ 2019፣ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን፣ ከተማ ኣል ዑበይድ፣ ንናህሪ ዋጋታት መሰረታዊ ነገራት ንምቅዋም፣ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይንድ ንዝነበረ ህዝቢ ንምብታን፣ ብተወርዋሪ እዚ ዝፍለጥ ሓውሲ ምሊሻን ሰራዊትን ዝኾነ ኣሃዱ ብዝኸፈቶ ቶኽሲ፣ ኣርባዕተ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣይርሳዕን።

ህዝቢ ሱዳን፣ ነዞም ሰለማውያን ሰባት ዝቐተሉ ወትሃደራት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ብተደጋጋሚ ሰልፍን ናዕብታትን ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

ናብ ህዝቢ ቶኽሲ ብምኽፋት፣ ሞት ሰለማውያን ሰባት ብምስዓብ ዝተጠርጠሩ ትሽዓት ወትሃደራት ክሲ ተምስሪትሎም ጉዳዮም ክጻረ ጸኒሑ።

ሎሚ ሓሙስ 05 ነሓሰ ኣብ ዝወዓለ መጋባኣያ፣ ዳኛ መሓመድ ራሕማ፣ ነቶም ሽዱሽተ ገበነኛታት ምዃኖም ብምውሳን ንሞት ክፈርዶም እንከሎ ነቶም ክልተ ድማ ብናጻ ኣፋንዩዎም።

ሓደ ድማ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ወትሃደራት ብምዃኑ፣ ናብ ተሃድሶ ክኣቱ እቲ ዳኛ ወሲኑ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0