ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ

ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 14 November 2018

Bogadnov in Russia

ብምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሚኻይል ቦጋድኖቭ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሩስያ፣ ከም መቀጸልታ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ርክባቱ፣ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።

ምክትል ሚኒስተር ቦጋድኖቭ ብ10 ሕዳር ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብምርካብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ ጸዓት፣ ንግዲንን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ርክባት ተዘራሪቦም።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ኣብቲ ናይ ካርቱም ዑደቱ፣ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ጁባ ኣትዩ ዘሎ ተቓዋሚ ሬክ ማቻርን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንጎኝኘት ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ሰላምን፣ ሩስያ ክትገብሮ እትኽእል ምድግጋፍን፣ ሓሳብ ንሓሳብ ከምዝተለዋወጡ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣፍሊጡ።

እቲ ምክትል ሚኒስተር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ብምክያድ፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላምን፣ ምልዓል ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳን ብምዝልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዘራሪቡ’ዩ።

ምክትል ሚኒስተር ቦጋድኖቭ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ሩስያ ምስ ዝመደበሩ ኣምባሳደር ጂቡቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብምርኻብ፣ ምምስራት ዝምድና ምስ ኤርትራን ምልዓል እገዳን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምዝታዩ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ሩስያ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጡፍ ኣበርክቶ ክህልዋ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ተካይድ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0