ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ’ዩ

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 06 February 2019

ብኮሚሽነር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ንልምዓት ነቨን ሚሚቻ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ’ዩ።

እቲ ልኡክ፣ ኣብ መውወዳእታ ዕለታት’ዚ ሰሙን ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝጽሕሉ፣ ምስ መራሕተን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብን ዝህሉ ለውጥን ክዝቲ ምዃኑ ኮሚሽነር ሚሚካ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኢጋድን፣ ብ22 ጥሪ  ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን’ዩ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ወሲኑ።

ይኹን’ምበር ናብ ንጡፍ ኣባልነት እቲ ዞባዊ ውድብ ክትምለስ ጻውዒት ዝቐረበላ ኤርትራ፣ ኣብቲ ናይ ኢጋንድን ሕብረት ኤውሮጳን ርክብ ኣይተሳተፈትን።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ ከምዘተባብዕ ብምጥቓስ፣ ኣብ ሓያሎ መዳያት ክተሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0