ሊብያ፣ 15 ሓተቲ ዑቕባ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ተረሺኖም

Radio Erena:12 October 2022

ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ ኣብ እትርከብ ከተማ ስብራታ፣ 15 ሓተቲ ዑቕባ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ከምዝተረሸኑ ኣብታ ሃገር ዝመድበሩ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣመልኪቱ።

እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሊብያ ዝተባህለ ትካል፣ ብ08 ጥቅምቲ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ መንጎ ኣሰጋገርቲ ደቂሰብ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፣ ነቶም ሓተቲ ዑቕባ ክርሽንዎም እንከለዉ፣ ነታ ማእከላይ ባሕሪ ብምስጋር ናብ ኤውሮጳ ከተእትዎም ተዳልያ ዝነበረት ጃልባ ድማ ኣቃጺሎማ።

እቶም ዝተረሸኑ ሓተቲ ዑቕባ፣ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃኖም እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ።

ንመንነቶም ይኹን ዜግነቶም ብዝምልከት ግና ኣይዘርዘረን።

እዚ ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ርህራሄን ሰብኣውነትን ዝጎደሎ ከቢድ ገበን’ዩ ክብሉ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኣካላት ኮኒኖሞ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0