ሊብያ፣  ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 115 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

ሊብያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 115 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ድሒኖም

Radio Erena: 02 July 2018

Libya 29 June 2018

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ትማሊ ሰንበት 1 ሓምለ 115 ስደተኛታት ካብ ምጥሓል ከምዝድሓነ ኣፍሊጡ።

እቶም ብንእሽቶ ጃልባ ካብ ገማግም ሰሜናዊ ምብራቕ ሊብያ ዝተበገሱ ስደተኛታት፣ ካብቲ ዝተበግስሉ ብዙሕ ከይርሓቑ’ዮም ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም።

እዞም ብህይወት ድሒኖም ዘለዉ ሰባት፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ግብጺል ካሜሮንን ባንግዳልድሽን ምዃኖም መግለጺ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ይጠቕስ።

ካብ ገማግም ሊብያ ኢጣልያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ንምእታው ዝሓለኑ ኣስታት 100ስደተኛታት ብዓርቢ 29 ሰነ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ እቲ ሓለዋ ገምግም ባሕሪ ኣቐዲሙ ሓቢሩ’ዩ።

እዚ ሓደጋታት ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ግዝያዊ ናይ መጻረዩ መዓስከር ንምቛም ኣብ ዝተሰማምዓሉ ቅንያት’ዩ።

ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ናብ ገማግም ባሕራ ከይጽግዓ ከልኪላ ከምዘላ ይፍለጥ።

 

ስእሊ፣- ብዓርቢ 29 ሰነ ካብ ዝጠሓሉ ኣስታት 100 ሰባት ናይ ሓደ ህጻን

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0