ሊብያ፣ ናይ ምጥያስ ጉዳዮም ዝተነጽጉ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 40 ስደተኛታት ቆላሕታ ክግበረሎም ይምሕጸኑ

Radio Erena: 25 October 2019

ኣብ ሊብያ፣ ትጣየሱላ ሳልሰይቲ ሃገር ኣይተቕበለትኩምን ብዝብል ምኽንያት፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትUNHCR፣ ጉዳዮም ዝነጸጎ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ቆላሕታ ክግበረሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ።

እቶም ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝበዝሖምኦም ኣስታት 40 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝሓለፈ ሰሙን፣ ጣራብሎስ ኣብ ዝርከብ፣ ቀጽሪ ናይቲ ትካል ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም’ዮም።

UNHCR፣ ኣብ ዘካይዶ ናይ ምጥያስ መስርሕ፣ ካብ 900 ስደተኛታት፣ ንኣስታት 10ታት ካብኣቶም ጉዳዮም ተቐባልነት ኣይረኸበን ብምባል’ዩ ነጺግዎም።

እቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ስደተኛታት፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከይጣየሱ ምንጻጉ፣ ከምዘቖጠቖም ዝገልጽ ጭርሖታት ብምልዓል፣ ጉዳዮም ዳግማይ ክምርመር ጸዊዖም።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ መዓስከራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ናብ ርዋንዳ፣ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ንምስግጋሮም ይስርሓሉ እኳ እንተሎ፣ ብዙሕ መሰናኽል ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0