ሊብያ፣ ልዕሊ 40 ስደተኛታት ብደብዳብ ነፈርቲ ተቐቱሎም

Radio Erena: 03 July 2019

ኣብ ሊብያ፣ ከተማ ጣራብሎስ፣ ነፈርቲ ውግእ ብዘካየድኦ ደብዳብ፣ ቆልዑን ኣዴታትን ዝርከብኦም ብውሕዱ 40 ስደተኛታት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

በቲ ስደተኛታት ኣብ ዝተዓቝብሉ ቦታ፣ ታጁራ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተኻየደ ደብዳብ ብውሕዱ 130 ሰባት ከምዝቖሰሉ ትካላት ስደተኛታት ኣፍሊጠን።

ነቲ ደብዳብ ዘካየዳ ነፈርቲ፣ ኣብ ቤንቓዚ ናይ ዝመደበሩ ሓይሊ ጀነራል ሓፍታር ምዃነን ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ እቲ ሓይሊ ነቲ ደብዳብ ከምዘየካየዶ ይጠቕስ።

እቲ ንስደተኛታት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ፣ ምስ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ናይ ኵናት ገበንን ክጽብጸብ ከምዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ኣብ ታጁራ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ስደተኛታት፣ ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቒሮም ከምዘለው ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ግዳያት ናይቲ ብ2 ሓምለ ዝተኻየደ ደብዳብ ነፈርቲ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ዜግነቶም ብዝርዝር ኣይተገልጸን።
=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0