ትካላት ንግዲ ህግደፍ ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንዳ ዝተሸመተ ሃለኽቲ ነገራት ናብ ተሰነይ ምውሓዝ ይቕጽልኦ ምህላወን ተገሊጹ

ትካላት ንግዲ ህግደፍ ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንዳ ዝተሸመተ ሃለኽቲ ነገራት ናብ ተሰነይ ምውሓዝ ይቕጽልኦ ምህላወን ተገሊጹ

Radio Erena: 23 February 2015

SudanLor

ብኮንትሮባንዳ ካብ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ከም ጸባ፣ ዘይት፣ ፊናኖ፣ ሳሙናን ካልእን ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ብዝልዓለ ናህሩ ይቕጽል ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 14 ሎሪ ዝዓነይነተን መካይን ዝተፈላለየ ሃለኽቲ ጽዒነን ናብ ተሰነይ ከምዝኣተዋ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት ሓንቲ ካበተን ፊኖ ጽዒና ዝነበረት መካይን ዶብ ኤርትራ ቅድሚ ምስጋራ ከምዝተገምጠለትን መራሒኣ ድማ ከምዝሞተን እቶም ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱምን ብስም ተራ ነጋዶ ዝተመዝገቡ ኣባላት ናይ ህግደፍ ትካላትን፣ ኣብዚ ብኮንትሮባንዳ ካብ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንግዲ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃኖም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት ነዚ ተጠቒሞም ውልቃዊ ናይ ኮንትሮባንዳ ንግዲ ዘካይዱ’ውን ከምዘለዉ ኣገንዚቦም።

 

መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብዶብ ኤርትራን ሱዳንን ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ምንቕስቓስ ንምግታእ ፍሉይ ተቖጻጸሪ ኣሃዱ ሰራዊት ካብ ዘዋፍር ዓመታት ሓሊፉ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ብኮንትሮባንዳ ዝካየድ ዘሎ ምስግጋር ኣቑሑን ሃለኽቲ ነገራትን ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ፒክኣብ ብዝዓይነተን ንኣሽቱ መካይንን ሎሪ ናይ ጽዕነት መካይን ከምኡ’ውን ብኣውቶቡሳት ዝካየድ ዘሎ ናይ ኮንትሮባንዳ ሸቐጠ፣ ብመንገዲ መስመር ከሰላ-ተሰነይ ዝካየድ እኳ እንተኾነ፣ መብዛሕቶም ኣዘዝቲ ናይቲ ኣብ ዶብ ኤርትራ ተዋፉሩ ዝርከብ ሰራዊት ሱዳን ብጉቦን ብብልሽውና ዝተታሕዙ ብምዃኖም፣ እናፈለጡ ከምዘጽቕጡ ‘ዩ ዝዝረበሉ።

ኣብ ኤርትራ፣ ከቢድ ናይ መነባብሮ መጸገም ኣጋጢምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሃለኽቲ ነጋራት ኣብ ዘይርከበሉ ደረጃ ስለዝበጽሐ ደረጃ ብቕዓቱ ዘየተረጋገጸ ብኮንቶባንዳ ዝኣቱ ሃለኽቲ ነጋራት ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ክሽየጥ ይርአ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

እቲ ብዱኳን ሕድሪ ዝፍለጥ ንነበርቲ ከባቢ ኣስመራ ብኩፖን ወርሓዊ መቑነን ክዕድል ዝቖመ ናይ ህግደፍ ትካላት’ውን ከም ሽኮርን ዘይትን ዝኣመሰለ እኹል ሃለኽቲ ነገራት ክቕርብ ተጸጊሙ ምህላዉ ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

=========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0