ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ይቕጽል

ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ይቕጽል

Radio Erena: 30 December 2018

sudan demoኣንጻር ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣልበሽር ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ማሕበር ሞያውያን’ታ ሃገር ንዕለት 31 ታሕሳስ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዖም።

እዚ ማሕበር’ዚ ነቲ ኣብ ዕለት 25 ታሕሳስ ዝተኻየደ ዕዉት ምዃኑ ዝተነግረሉ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወደበ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ እቲ ተቓውሞ ብክብሪ ዋጋታት መነባብሮ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ’ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብዝወሰዱዎ ጨካን ስጉምቲ ኣስታት 37 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፣ ልዕሊ 400 ከኣ ቆሲሎም’ዮም።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 28 ታሕሳስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ሱዳን ናይቶም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ዘጽንዕ ናጻ ኣካል ቆይሙ፣ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርብ ናብ መንግስቲ ሱዳን መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ሓሳብካ ብናጻን ሰላማዊን መንገዲ ምግላጽ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል’ዩ ብምባል መግለጺኡ ዝሃበ እቲ ዋና ጸሓፊ፣ መንግስቲ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታኡ ነዚ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩ ከገድዶም ኣለዎ ኢሉ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0