ህዝቢ ዚምባብወ፣ ነቲ ብሰራዊት’ታ ሃገር ዝተወስደ ስጉምቲ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ

ህዝቢ ዚምባብወ፣ ነቲ ብሰራዊት’ታ ሃገር ዝተወስደ ስጉምቲ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ

Radio Erena: 19 November 2017

mugabe must goብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ዚምባብወ፣ ነቲ ብሓይልታት ምክልኻል’ታ ሃገር ዝተወስደ ስጉምቲ ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ብዕለት 18 ሕዳር ኣብ ርእሰ ከተማ ሃራረን ካልኦት ከተማታትን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ሓጎሱ ኣብ ጎደናታት ብዓውታ ክገልጽ እንከሎ፣ ‘ሙጋበ ይተኣለ’ ዝብል ጭርሖ ከምዘልዓለ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ሮበርት ሙጋበ ንበዓልቲ ቤቱ ክትትክኦ ድሕሪ ምሕጻዩ፣ ሰራዊት’ታ ሃገር ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ኣእትዩ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ክፈጥር ይሰርሕ ከምዘሎ ይገልጽ’ኳ እንተሎ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ ግና ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ክብሉ’ዮም ዝገልጹዎ።

ገለ ካብቲ ንሰላማዊ ሰልፊ ዝወጸ ህዝቢ፣ ብቀዳም ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሙጋበ ኮፍ ብምባል፣ እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክገድፍ ጸዊዑ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ፣ ህዝቢ ናዕብን ዕግርግርን ክሳብ ዘየልዓለ፣ ተቓውሞኡ ብሰላማዊ መንገዲ ክገልጽ መሰሉ’ዩ ብምባል ነቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘይሕሰብ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ሙጋበ ደው ዝበሉ ብሓርበኛታት ዝፍለጡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ዚምባብወ ዝተሳተፉ መራሕቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ፕረዚደንት ዕድመ ስልጣኑ ከምዘእከለን ብሰላማዊ መንገዲ ክወርድ ከምዘለዎን ጠሊቦም ኣለዉ።

እንተኾነ ስልጣን ካብ በዓልቤታ ተረኪባ ንዚምባብወ ክትመርሕ ትሸባሸብ ዝነበረት ግረይስ ሙጋበ፣ ንሃለዋታ ብዝምልከት ተጋራጫዊ ሓበሬታ ይፍኖ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ዝድግፉዋ ሰበስልጣናት መንግስቲ ብምውዳብ ነቲ ናይ ለውጢ ማዕበል ክትከላኸሎ ኣብ ፈተነ ከም እትርከብ’ዩ ዝግለጽ።

እቲ ብቀዳም ናብ ጎደናታት ከተማ ሃራረ ዝወጸ ህዝቢ ወሪዱዎ ዝነበረ ፍርሒ ብምቕንጣጡ ጥራይ ሓጎሱ ክገልጽ እንከሎ፣ መነባብሮኡ ብሓደ ለይቲ ክመሓየሸሉ ከምዘይጽበ፣ ግን ከኣ ካብዚ ፖለቲካዊ ለውጢ ልዑል ተስፋ ኣሕዲሩ ከምዘሎ ንማዕከናት ዜና ይገልጽ ኣሎ።

ሓያሎ ሃገራት ዓለም ሰራዊት ዚምባብወ ብዝተረጋገአን ብስልጡን መንገድን ነቲ ናይ ፖለቲካ ለውጢ ከመሓድሮ ክጠልባ እንከለዋ፣ ኣመሪካ እትርከበን ካልኦት ሃገራት ከኣ ዚምባብወ ናብ ቅርዑይ መኣዝን ክትጎዓዝ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ገሊጸን።

=========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0