ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት ዘቕርቦ ዘሎ በዳሂ ሕቶትታት ይቕጽል

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣናት ዘቕርቦ ዘሎ በዳሂ ሕቶትታት ይቕጽል

Radio Erena: 24 March 2019

ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ትማሊ 23 መጋቢት ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ካብ ህዝቢ ዝተፈላለዩ በዳህቲ ሕቶታት እኳ እንተቐረቡ፣ ከም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተኻየደ ኣኼባታት ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ብቑዕ መልስታት ኣይተዋህበን።

መንግስቲ ስለምንታይ ዓመታዊ ባጀት ዘይስልዕ፣ ሚኒስትሪታት ብሕጽረት ገንዘብ ይሳቐያ’ለዋ ንዝብልን ካልእን ሕቶታት ከምዝቐረቡ ብኣብነት ዝጠቐሱ ምንጭታትና፣ መንግስቲ ገንዘብ ስለዘይብሉ፣ ዓመታዊ ባጀት ክስልዕ ኣይክእልን’ዩ ዝብል ምላሽ ካብቲ ነቲ ኣኼባ ዘካይድ ዝነበረ በዓልስልጣን ከምዝተዋህበ ኣመልኪቶም።

ኤርትራ ሃገርና ናበይ ትኸይድ ኣላ ዝብልን፣ ቁጠባዊን ናይ መነባብሮን ዓበይቲ ሕቶታት ኣማእኪሉ ካብ ህዝቢ ክቐርብ ዝጸንሐ ምዕዝምዛማት ዝተዓዘበ መንግስቲ ኤርትራ በብዞባታቱ ወከልቲ ህዝቢ እንዳኣከበ መብርሂ ክህበሉ’ኳ እንተፈተነ፣ ኣካየድቲ ሰሚናራት ብዘይካ ጠባሪ መልስታት፣ ብቑዕን ምሉእን መልስታት ይህቡ ከምዘየለዉ ምንጭታትና ብተወሳኺ የመልክቱ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0