ህወሓት፣ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 06 January 2020

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፣ ብ4ን 5 ጥሪ፣ ኣብ ዘካየዶ፣ “ጉባኤ ጽንዓትን መኸተን” ዝሰመዮ ህጹጽ ኣኼባ፣ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ህወሓት ድሕሪ’ቲ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ሓደ ቋንቋ፣ ተመሳሳሊ ባህልን ብመብስቦ ዝተኣሳሰረን ሓው ህዝቢ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ፋሽሽቲ ሰርዓት ደርግ ንምድምሳስ ብሓባር ከምዝደመየን መስዋእቲ ከምዝኸፈለን ኣብ ሓደ ጉድጓድ’ውን ከምዝተቐብረን ኣዘኻኺሩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘየድሊ ኵናት ብምኽፋት ከቢድ ክሳራ ከምዝሰዓበ ብምእማን፣ እቲ ውድብ ብወገኑ ነቲ ዘጋጠመ በሰላ ንምሕዋይን ናብ ንቡር ሰላም ንምምላስን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክገብር ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝተጀመረ ርክብ፣ ዋላ’ኳ ተስፋ ዝህብ እንተነበረ ኣብ ከይዲ ግን ምኽንያቱ ንጹር ብዘይኮነ መንገዲ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ርክብ ከምዝተቛረጸ መግለጺ ህወሓት የመልክት።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ መወዳእታ፣ እዚ ዝተጀመረ ተስፋ ዝህብ ሕዉነትን ዝምድናን ኣብ ምትሕግጋዝን ንኹላትና ዝጠቅም ክኸውንን ኣብ ዘላቒን ዘተኣማምንን ሰላም ክምስረትን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ካብኦም ዝድለ ኩሉ ነገር ንምግባር ድልዋት ምኻኖም ብምርግጋጽ፣ ህዘቢ ኤርትራ እዉን ብወገኑ ነዚ ሰላም ዘላቂ ክኸውንን ክጠናኸርን ናይ ባዕሉ እጃም ክጻወት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ህወሓት፣ ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፣ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ ዝቖመን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕን ሰልፊ ብልጽግና ከምዘይጽንበር’ውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ፣ ንሰላምን ሕውነትን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘደለድልድ ዘይኮነ፣ ንህወሓት ንምንብርኻኽን ዝዓለመን ካልእን ውዲታት ዘለዎን ንመጻኢ ድማ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝበኣሰ ጎነጽ ዘምርሕን ምዃኑ ብክክልትኡ ወገነ ይትንተን ኣሎ።

ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፣ ን29 ዓመታት ህዝቢ ጨፍሊቑ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝግበር ኩሉ ዓነነት ውዲታት ክሰምሮ ከምዝኽእል’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዝወቕሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar
    Idris Mohammed Ali 4 years ago

    Weyane  haswti kab mas mes hezbi Eritrea 🇪🇷 ahwat koynom 
    Eti zebelwo zegbrewo kulu ab mezgeb henayo alna hansab Agazen elom yesrhu hansab ka Eritrea 🇪🇷 bi  Italy 🇮🇹 zetserhet eya  bi hayle nab Tigray ketmels alwa elom Hezbi Eritrea nikebtnu  yesrhu tenhom hiji bi kulu mes tehalelu meret mes xebebtom ahewat ena yeblu 
    hezbi Eritrea 🇪🇷 ka kulu  hade Konka  ayezarbin eu  9 behrat  eu  Tigrna wo Areb  ka nay 9 behrat  merakbi  konka eu
    Tigray  mes hezbi Eritrea 🇪🇷 Salam nay bi hake zedelu Ente koynom kedem kab meret Eritrea 🇪🇷 Badme yewexu   

  • comment-avatar
    jebei 4 years ago

    And teh luckies and messengers of the devil dully comply so!!!