ህንዲ፣ ኤርትራ እትርከበን 41 ሃገራት ክሳተፋ ዝመደበቶ ወትሃደራዊ ልምምድ ብሰንኪ ኮሮኖ ቫይረስ ሰሪዛቶ

Radio Erena: 05 March 2020

ህንዲ፣ ኤርትራ እትርከበን 41 ሃገራት፣ ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ባሕሪ ክሳተፋ ዝወጠነቶ መደብ ብሰንኪ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ ከምዝሰረዘቶ መንስግቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣስታት 2500 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምዝተለኽፉ ጥርጣረታት ኣሕዲራ ዘላ ህንዲ፣ ሰራዊታ፣ ንምስፍሕፋሕ እቲ ቫይረስ ድሉው ክኸውን ድሕሪ ዘሕለፈቶ ኣዋጅ’ያ ነቲ “ሚላን 2020” ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክትስርዞ ዝወሰነት።

እቲ ንክሊ ማያት ኤስያ፣ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዝወከላ ሃገራት ክሳተፍኦ ዕድመ ዝቐረበለን ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ኣብ 18 መጋቢት፣ ኣብ ህንዲ፣ መዋፈሪ ሓይሊ ባሕሪ ቪሳካፓንታም’ዩ ክካየድ ተወጢኑ ኔሩ።

ህንዲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝልኣኸቶ ዕድመ፣ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲን ሶማልን’ያ ጸንቢራ።

እንተኾነ ካብ ኤርትራን ይኹን ካብተን ካልኦት ሃገራት ናብ ህንዲ ብዛዕባ ዝተዋህበ መልሲ ከይተፈልጠ’ዩ ጸኒሑ።

ኤርትራ፣ ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣህጉራዊ ሓበራዊ ወትሃደራዊ ልምምዳት ከምዘይትሳተፍ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    entay eyu eti elama wetehaderawi lmmd . goblel knkewn ndeli alona nua msana wegnu malet du. melki hberawi ngdi tray eyu zedlyen