ህንዲ፣ ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ዲፕሎማሲ ከተዕቢ ትደሊ

ህንዲ፣ ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ዲፕሎማሲ ከተዕቢ ትደሊ

Radio Erena: 25 April 2018

Eritrea India

ህንዲን ኤርትራን ኣብ ዲፕሎማስያዊ መደያት ዘለወን ርክባት ንምዕባዩ ዘኽእለን መዘክር ከምዝኸተማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ነቲ ስምምዕ፣ ብወገን ህንዲ፣ ጸሓፊ ቁጠባዊ ዝምድናታት ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቲ.ኤስ. ቲሩሙርትን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ህንዲ ኣቶ ኣለም ጸሃየን ‘ዮም ብ20 ሚያዝያ፣ ኣብ ከተማ ደልሂ ከቲሞም።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ከምዝሕብሮ፣ ህንዲ ንኤርትራ ኣብ ትምህርቲ፣ ንግዲ፣ ሕርሻ፣ ናይ መግቢ ረድኤትን ካልእ ሓገዛትን ከተበርክት ጸኒሓ’ያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ ርክባት እዘን ክልተ ሃገራት ንምዕባዩ፣ ህንዲ ናብ ኤርትራ ቀዋሚ ኣምባሳደር ንምልኣኽ ትዳሎ ኣላ።

ህንዲ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 18 ሃገራት ኣፍሪቃ ኤምባሲታት ንኽፋት መደብ ከምዘለዋ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጹ ይዝከር።

እታ ሃገር፣ ብድምር ኣብ 44 ሃገራት ኣፍሪቃ ኤምባሲታት ክህልዋ ትሰርሓሉ ዘላ ምኽንያት፣ ነቲ ቻይና ኣስፋሕፊሓትሉ ዘላ ቁጠባዊ ሕዛእቲ ኣፍሪቃ ንምሽማው ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ቀዋሚ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ሱዳንን ተንቀሳቐሳ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኤርትራን ራቪንድራ ጀይስዋል ሃገሩ ምስ ሱዳን ዘለዋ ቁጠባዊ ዝምድናታት ንምዕባይ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ብዝምልከት ምስ ሚኒስትር ኢንዱስቱሪ ሱዳን ዶ/ር ሙሳ መሓመድ ካራማ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ከምዝተዘራረበ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ይጠቕስ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0