”ህሉው ኩነታት ንምምካት-ምውዳን መደባት ከነካይድ ኢና”፣ ህግደፍ

ብግዳማውን ውሽጣውን ጸቕጥታት ኣብ ወጥሪ ዝርከብ መንስቲ ኤርትራ ዘቖመ ህግደፍ፣ ህሉው ኩነታት ንምምካት-ምውዳን መደባት ከነካይድ ኢና ዝብል ጎስጓስ የካይድ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

    ተቓውሞን ጽልዋን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ መንእሰያት እናዓበየ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ህግደፍ ነዚ ንምምካት ከም መቐጸልታ ናይቲ ብመንእሰያት ህግደፍ ዝፍለጡ ደገፍቲ ምዅስኳስ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ’ውን ነቶም ኣብ ትሕቲ ሃማመተኤ ዝተሓቝፉ ‘ሕመረት’ ዝተሰምዩ መንእሰያት ምሕያልን ምትብባዕን ክድፍኣሉ ምዃኑ ምስ ጸልውቲ’ዮም ዝበሎም መንእሰያት ብስቱር ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ኣኼባታት ይግለጽ ኣሎ።

    ብተኸታታሊ ኣብ ናቕፋ፣ ሳዋ፣ ማይ ሓባርን ካልእ ቦታታትን ናይ ካድር ትምህርቲ ዝቐሰሙ ኣሽሓት መንእሰያት ከምቲ ዝድለ ፍረ ክርከቦም ስለዘይክኣለ፣ እቲ ናይ እሙናትን ውፉያትን ካድራት ንምምልማል ረብሓ ዝተተሓሓዘ ካልእ ኣገባብ ክትኣታቶ’ውን ሓሳብ ምቕራቡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር።

    በዚ ተወጢኑ ዘሎ ሓድሽ ኣገባብ ምምልማል ካድራት፣ ካብ መንእሰያት ህግደፍ ማለት ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ YPFDJ፣ ሕመረት ናይ ሃማመተኤን ከምኡ ድማ ካብ ሚኒስትሪታት ዝተዋጽኡ እሙናት ዝተባህሉ መንእሰያት፣ ብስም ‘መተባብዒ’ ፍሉይ ደሞዝ ክግበረሎም’ዩ እቲ ዝቐረብ ዘሎ ሓሳብ።

    በቲ ህግደፍ ሓንጺጽዎ ዘሎ መደብ፣ እዞም ብፍሉይ ደሞዝን ሓለፋታትን ክምልመሉ ዝብሃሉ ዘለዉ መንሰያት፣ ፣ ህግደፍ ቅዋም ብምትግባር ስልጣን ናብ መንእሰያት ንምስግጋር ይሰርሕ ከምዘሎን ኣብ መዛንኦም ጽልዋ ንምፍጣርን ክጕስጉሱ’ዮም።

    ነዚ ዳግም ብኻልእ መልክዕ ክውደብ ዝድለ ዘሎ ናይ መእሰያት ህግደፍ -YPFDJ፣ ሕመረትን ካድርን ጥርናፈ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያ ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ሓላፊ ህግደፍ ዞባ ማእከል ነበረ ኣቶ ዮሱፍ ሳይቕን ስሙ ንግዚኡ ዘይተፈልጠ ሓደ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ከመርሕዎ ምዃኖም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0