ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን፣ ሃገራዊ ድሕነት ስዑዲ ዓረብ’ዩ ክብል ንጉስ ሳልማን ገሊጹ

ሃገራዊ ድሕነት ሱዳን፣ ሃገራዊ ድሕነት ስዑዲ ዓረብ’ዩ ክብል ንጉስ ሳልማን ገሊጹ

Radio Erena: 01 February 2019

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽሪ ከምዘላ መግለጺ ካቢነ ሚኒስተራት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰሉስ 29 ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምውሓስ ጸጥታን ድሕነትን ሱዳን ማለት ምሕላው ጸጥታን ድሕነትን ስዑዲ ዓረብ’ዩ ንዝብል መርገጺ ንጉስ ሳልማን ኣድኒቑ።

ንጉስ ሳልማን፣ ኣብ ሱዳን ዘለዎ ናይ ደገፍ መርገጺ ንምንጻር፣ ኣብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝምድና ንምድልዳል፣ ብሚኒስተር ዝምራሕ ወኪል ናብ ካርቱም ክልእኽ ምዃኑ ሳውዲ ጋዜጣ ሓቢራ።

 ኣብ ጉዳይ ሱዳን ተመሳሳሊ መርገጺ ሒዘን ዘለዋ ቀጠር፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራትን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥን፣ ንፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣል በሺር ዘለወን ደገፍ ብወግዒ ኣፍሊጠን’የን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብምኽንያት ዝኽሪ ናይቶም ናዕቢ ኣብ ዝጀመረሉ ዕለታት ዝተቐትሉ ዜጋታት ሱዳን ንምዝካር ዝዓለመ ሰልፊ፣ ኣብ ፖርት ሱዳን ተኻይዱ።

እቲ ብሰሉስ 29 ጥሪ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ፕረዚደንት በሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ’ውን ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0