ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረዩ ዋንጫ ዓለም 2018 ምስታፋ ኣጠራጣሪ’ዩ

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ መጻረዩ ዋንጫ ዓለም 2018 ምስታፋ ኣጠራጣሪ’ዩ

Radio Erena: 04 August  2015

Na team

ኣብ ሩስያ ንዝካየድ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2018 ዝሳተፋ ሃገራት ኣብ መንጎ 142 ሃገራት ዓለም ናይ መጻረዩ ግጥማት ኣብ ሓሙሽተ ጥቕምቲ ክፍልም ምዃኑ ኣብ ዝንተሓበረሉ፣ ኤርትራ ናይ ፈለማ ግጥማ ምስ ቦትስዋና’ዩ ተሰሪዑ ዘሎ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኬንያ ኣብ ታሕሳስ 2013 ዘካየደቶ ግጥም ሴካፋ ድሕሪ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመት ግዜያ ኣብ ኣህጉራዊ ግጥማት ክትቕልቐል ምዃና ካብ ፊፋ ዝተረኽበ ሓበሬታ እንተመልከተ፣ ብወገን ኤርትራ ግና ነዚ ዘረጋግጽ ዜና ዛጊት የለን።

 

ይኹን’ምበር ብህድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ክብረ ወሰን ጨቢጣ እትርከብ ኤርትራ ኣብቲ ዝካየድ ቀዳማይ እግሪን ናይ መልስን ግጥማት መጻረዩ ዋንጫ ዓለም ምስታፋ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ካብ ኮሚሽን ስፖርት ዝልሐኸ ሓበሬታ ይእንፍት።

ካብ ኮሚሽን ስፖርት፣ ሚኒስትሪ ዜና፣ ህግደፍን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ዝተዋጽአት ሓይሊ ዕማም’ውን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ዶ ኣይትሳተፍ ዝብል ጉዳይ ክዝትየሉን ውጽኢቱ እቲ ግጥም ኣብ ዝተቓረበሉ ቅንያት ክሕበርን ምዃኑ ይጠቐስ።

ሃገራዊት ኤርትራ ከምዘይትሳተፍ መብዛሕትኡ እዋን ቅድሚ ዕጫ ምውዳቑ ዝሕበር እኳ እንተኾነ፣ ሳሕቲ ድማ ዕጫ ድሕሪ ምውዳቑ ብሰንኪ ፊናንስያዊ ጸገም ከምዘይትሳተፍ ከምእትሕብር’ዩ ዝፍለጥ።

ተጻወቲ ሃገራት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ኣብ ዝሳተፍሉ እዋን ንኸይሃድሙ ክሳብ 100 ሽሕ ናቕፋ ትሕጃ ከትሕዙ ይግደዱ ምንባሮም ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝልኣኹ ዝነበሩ ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብኡ ኣቢሎም ከምዝተረፉ ኣይርሳዕን።

ካብ ህድማ ተጻወቲ ንምድሓን፣ ኣብ ሱዳንን ሃገራት ዓረብን ዝርከቡ ተጻወቲ ብምትእኽኻብ ንሃገራዊት ጋንታ ንምቛም ዝግበር ዘሎ ተደጋጋሚ ጻዕርታት’ውን ከምቲ ዝድለ ከድምዕ ከምዘክኣለ ተንተንቲ ስፖርት ኤርትራ የረድኡ።

ኣብዚ ካብ 5 ክሳብ 13 ጥቕምቲ ዝካየድ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት መጻረዩ ዋንጫ ዓለም’ውን፣ ሃገራዊት ጋንታ ናብተን ኣብ ሩስያ ዘምርሓ 27 ሃገራት ክትከውን ትኽእል’ያ ካብ ዝብል ትጽቢት ንላዕሊ፣ ህድማ ተጻወቲ ዝብል ጉዳይ ዝያዳ ኣዘራሪቡ ይርከብ።

ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኣብ ኤርትራ ከም ናይ ጉያ እግርን ቅድድም ብሽክለታን ዘተባብዕ ውጽኢት ዘለዎ ስለዘይኮነን፣ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ናብ ዝገሽሉ ሃገር ብብሕዚ ክሃድሙ’ዮም ዝርኣዩ።

ኤርትራ፣ ኣብ መዳይ ኩዕሶ እግሪ ካብተን ዝተሓተ ብቕዓት ዘለወን ሃገራት ዓለም ምዃና ደረጃታት ፊፋ የመልክት።

=========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0