ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ፡ ቱር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ትወዳደር ኣላ

Radio Erena: 28 February 2017

Cycling 22

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ ኣፍሪቃ ብደረጅኡ ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕ፡ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ፡ ቱር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፡ ወይ ዙር ጋቦን ትወዳደር ኣላ።

ኣብቲ ካብ ትማሊ ሰኑይ 27 ለካቲት ክሳብ ሰንበት 5 መጋቢት ዝቕጽል ውድድር፡ ኤርትራ ካብ እትርከበን 15 ክለባት ዝተኣኻኸቡ 90 ተቐዳደምቲ ይካፈሉ ኣለዉ።

ንሃገራዊት ጋንታ ወኪሎም ኣብ ዙር ጋቦን ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ፣ ኤልያስ ኣፈወርቂ (ወዲ ቐሺ)፡ ሜሮን ኣብርሃም (ሸቃ)፡ ዓወት ሃብቶምን ዮናታን ሃይሉን፡ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ተጸሚዶም ዝቐነዩ ተቐዳደምቲ ኮይኖም፡ ዘመንፈስ ሰለሙንን ሳይሞን ሙሴን ድማ፡ ተሓዊሶሞም ኣለዉ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ክልተ ኤርትራውያን፣- ተስፎም ዑቕባማርያም ንጃፓናዊት ክለብ ኢንተርፕሮ ሳይክሊንግ ኣካዳሚን፡ ሜሮን ተሾመ ድማ ንጀርመናዊት ክለብ ባይክ አይድን ወኪሎም ኣብዚ ዙር ኣብ ምቅድዳም ይርከቡ።

ናይ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ኮይኑ፡ 7 መድረኻት ዘጠቓለለ ዙር ጋቦን 2017 ኣብ’ዚ ውሽጢ ሓደ ሰሙን 932 ኪሎ ሜተር ክሽፍን እዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0