ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብ መበል 28 ኣህጉራዊ ዙር ቡርኪና ፋሶ ኣንጸባራቒ ዓወታት ተመዝግብ ኣላ

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብ መበል 28 ኣህጉራዊ ዙር ቡርኪና ፋሶ ኣንጸባራቒ ዓወታት ተመዝግብ ኣላ

Radio Erena: 04 November 2015

cay Team

ብዓርቢ 30 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ዝፈለመ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ቡርኪና ፋሶ እትሳተፍ ዘላ ሃገራዊ ጋንታ ኤርትራ ኣንጸባራቒ ዓወታት ተመዝግብ ኣላ።

171 ኪሎሜተር ኣብ ዝሸፈነ መኽፈቲ ቅድድም ቀዳማይ መድረኽ ዙር ቡርኪና ፋሶ፣ ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ በረኸት የማነ፣ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት እንከሎ፣ ወዲ ጋንትኡ ዮናታን ሃይለ ከኣ ሳልሳይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ። 

ብሰንበት 1 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ፣ 142 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ቡርኪና ፋሶ’ውን ኤርትራዉያን ተቀዳደምቲ፣ ሚኪኤል ሃብቶም፣ መኽሰብ ደበሳይን ዮናታን ሃይለን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልስስስሳይ ክወጹ እንከለዉ፣ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ በረኸት የማነን መሓሪ ተስፋጽዮንን’ውን 6ይን 10ይን ደረጃ ሒዞም።

 

ኣብ ራብዓይ መድረኽ ናይዚ ቅድድም ከኣ፣ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ዜጋ ናይታ ኣእንጋዲት ሃገረ ቡርኪና ፋሶ ክኸውን እንከሎ፣ ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ 3ይ፣ 4ይን 6ይን ደረጃ ሒዞም።

ትማሊ ሰሉስ 3 ሕዳር 2015 ኣብ ዝተኻየደ መበል 5ይ መድረኽ ዙር ቡርኪና ፋሶ ከኣ፣ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ቀዳማይ ኮይኑ ዝተዓወተ ሚኪኤል ሃብቶም፣ ደጊሙ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት፣ ስምን ሃገራዊት ጋንትኡን ኣድሚቑ።

ብ30 ጥቅምቲ ዝፈለመ መበል 28 ኣህጉራዊ ቅድድም ዙር ቡርኪና ፋሶ ፣ 10 መድረኻት ኣጠቓሊሉ ክሳብ 8 ሕዳር ክቕጽል’ዩ።

እዚ ኣህጉራዊ ቅድድም፣ ካብ 1 ክሳብ 10 ጥቅምቲ ክካዩአድ ተመዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሃገር ዘይተዓወት ወትሃደራዊ ዕልዋ’ዩ ናብዚ ወርሒ’ዚ ተሰጋጊሩ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ዕልዋ ፈተነ’ውን፣ ዙር ቡርኪና ፋሶ ካብ 28 ጥቅምቲ ክሳብ 2 ሕዳር ክካየድ ተወሲኑ እኳ እንተነበረ፣ ብሰንኪ ናይ ሕማም ኢቦላ ስግኣት፣ ካብ 30 ጥቅምቲ ክሳብ 8 ሕዳር ክሰጋገር ከምዝተገደደ ጸብጻባት ስፖርት ካብታ ሃገር የረድኡ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0