ሃገራት ወሽመጥ ብጉዳይ የመን ኣብ ሪያድ ክዝትያ’የን

ሃገራት ወሽመጥ ብጉዳይ የመን ኣብ ሪያድ ክዝትያ’የን

Radio Erena: 12 March 2015

gulf

ወሽመጥ ሃገራት ዓረብ ዘተ ሰላም የመን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንምእንጋድ ከምዝተሰማምዐ ተሓቢሩ።

ኣብ እምነት ሱና እትኣምን ስዒዲ ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ተቓወምቲ ሑቲን መንግስቲ እታ ሃገር ንምቕርራብ ተበግሶ ከምዝወሰደት ዝግለጽ ዘሎ፣ የመን ኣብ መንጎ ሰንዓን ዓደንን ኣብ ክል ከይትግማዕ ተሰጊእሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሓደነት የመን ከምእትኣምን እኳ እንተረጋገጸት፣ ዝዓበየ ደገፋ ነቲ ብኣመንቲ ሱና ዝቖመ መንግስቲ የመን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

 እንተኾነ፣ ተቓወምቲ ሑቲ ኣብታ ሃገር ዝልዓለ ወትሃደራዊ ሓይሊ ወኒኖም ብምህላዎም፣ ምስ መንግስቲ የመን ኣብ ሪያድ ኣብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ንዝብል ውሳነ ሃገራት ወሽመት ከምእትግድፍ’ያ ስዑዲ ዓረብ ትገልጽ ዘላ።

ካብ ሰንዓ ናብ ዓደን ዝገዓዘ ፕረዚደንት እታ የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ኣብ ዓደን ሓድሽ መንግስቲ ብምቋም ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ድማ ዓደን ክትከውን ውሳኔ ከሕልፍ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ’ዩ ዝዝረበሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ዝርከቦም ሓደ ሓደ ሰበ ስልጣን ናይቲ ዝፈረሰ መንግስቲ’ውን ካብ ሰንዓ እናሃደሙ ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ዓደን ይጽንበርዎ ምህላዎም ይግለጽ።

ኣብ ሰንዓ ዝነበረ ኤምባሲታተን ዝዓጸዋ ኣመሪካ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ነቲ ፕረዚደንት ዘለወን ደገፍ ንምግላጽ ኣምባሳደራተ ናብ ዓደን እንተልኢኸን ድማ፣ ንሓድነት የመን ሓደገኛ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ፖለቲከኛታት ትንታነታቶም ይህቡ ኣለዉ።

================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0